ምልቓቕ

£18.99
Share

ብዳንኤል ጴጥሮስ

ምልቓቕ

ነዛ "ምልቓቕ!" እትብል መጽሓፍ ከቕርባ ተገዲደ ኣለኹ። ሓደ ካብ ብዙሓት እንተ-ድኣ ክትከውን ኴንካ፡ ካብ'ቲ ንኸይትዓብን ንኸይትዕወትን ሓሊኹ ሒዙካ ዘሎ ነገር ክትላቐቕ ኣለካ። እዛ መጽሓፍ፣ ጽሟቕ ናይ'ቶም ዘንበብኩዎም መጽሓፍትን ከምኡ ድማ፣ እንዳ ኣንበኩ ከለኹ ኣብ ርእሰይ ዝተወልዱ ሓሳባትን እዮም። ብተወሳኺ እውን፣ ናይ'ቲ ምስ ሰብን ገንዘብን ዝኾነ ናይ መዓልታዊ ስርሐይ ውጽኢት እያ።ምሉእ ኣትኩሮ እዛ መጽሓፍ ድማ፣ ዝምድና ሰብን ገንዘብን እዩ።

ኣብ ገንዘብ ዘለና ስነ-ስርዓት ንመጻኢ ህይወትና ከጸብቖን ክሰብሮን ይኽእል እዩ። ኣብ'ዚ መጽሓፍ ኣቐሚጠዮ ዘለኹ መትከላት ከም ዘለዎ ካብ መጽሓፍ-ቕዱስ ዝተወስደ እዩ። ከም'ቲ ዳዊት፣ "ቃልካ/ሕግታትካ ብምሕላው ሓለፋ መማህራን ኣለበመኒ" ዝበሎ፡ እዞም ቀለልቲ ሕግታት ገንዘብ ብምጽናዕ ንቕድሚት ነዊሕ ዓመታት ክትስጉም ክትሕግዘካ እያ።

Shopping Cart

    Your cart is empty

    You might also like